ኬንያ፡ ኣብ መርዓ ዝተዓደመ ጋሻ ብመግቢ ተበኪሉ ሞይቱ

ኣብ ኬኒያ ስነ ስርዓት መርዕኦም ዝፈጸሙ ኬኒያውያን Image copyright The Star Kenya

ጋዜጣ ኬኒያ ስታር፡ ኣብ ሓደ መርዓ ተዓዲሙ ዝመጽአ ጋሻ ሟቱን ካልኦት 40 ሓሚሞም ሆስፒታል ከም ዝኣተውን ጸብጺቡ።

መርመራ ተኻይዱ ዝተረኸበ ውጽኢት ድማ፡ ድሕሪ ኣብቲ ስነ ስርዓት መርዓ ምርካቦም ብኮሌራ ከም ዝተጠቐዑን ምምራዝ መግቢ ከም ዝነበረን ይሕብር።

እቲ መርዓ 450 ኣጋይሽ ከም ዝነበሩዎ ይግለጽ። እዞም ሓደሽቲ መርዑ ግን በዚ ከም ዘይተጠቕዑን፡ ብቐዳም ድሕሪ ዝነበረ እንግዶት መርዕኦም ንምዝናይ ናብ ዱባይ ከም ዝኸዱን እቲ ጋዜጣ ገሊጹ።

ኣባ ሓጎ እቲ መርዓዊ ግን ብሰሉስ ሞይቶም። ኣሳሳዪ እቲ መርዓ ዝነበረ ኣብዚ ጉዳይ ርኢይትኡ ኣይሃበን።

ብምኽንያት ሕጽረት ንጽህና መግብን ማይን ከምኡ'ውን ውልቃዊ ጽርየት ዝብገስ ሕማም ኮሌራ ግን ምኽንያት ሞትን ሕማምን ገለ ዕዱማት ምኻኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት'ውን፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ መጋብኣያ ጥዕና ዝተሳተፉ ልኡኻት በዚ ሕማም ተጠቒዖም ነይሮም።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ካብ ዕየት ዝስራሕ መግቢ ሶርያውያን

ተወሳኺ ዛንታ